Monday, 29 September 2014

መስቀል ጒድበ ሙስና ዲበ ሰይጣን፥ ወሰይፈ ሙቃየ አርእስቲሆሙ ለአጋንንት፡፡

 ††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††

እግዚአብሔር ኣምላኽና ንወድሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ ዘድልዮ ዘበለ ኣቀዲሙ ኲሉ ከምዘዳለወሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፊሑን ኣርቂቑን ብዘይ ምውታእ ገሊጹልና ኣሎ። እግዚአብሔር ንኣዳም ምስ ፈጠሮ ናብቲ ዝኸበረ ቦታ ዘዳለወሉ ስፍራ ወሲዱ ኣቐመጦ። ስም ናይቲ ቦታ ውን ገነት ኤዶም ይብሃልዘፍ 28፡፡

እቲ ቃል ቀጺሉ፡ እግዚአብሔር ኣብ ውሽጢ ገነት ኤዶም ንገነት ኤዶም ዘስትዩ ኣርባዕተ ርባታት ከምዝነበሩን ኣዳም ድማ ኣብ ማእከል እዞም ኣርባዕተ ርባታት ይቅመጥ ከምዝነበረ እዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህረና። ናይ'ዞም ኣርባዕተ ርባታት ኣስማት ውን እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

1) ስም እቲ ቐዳማይ ርባ ኤፊሶን ይብሃል። ንሱ ኣብ ዙርያ እታ ወርቂ ዘለዋ ዂላ ምድሪ ኤውላጦን ዚውሕዝ እዩ።

2) ስም እቲ ኻልኣይ ርባ ድማ ግዮን ይብሃል። ንሱ እቲ ንዂላ ምድሪ ኩሽ ዝዘራ እዩ።

3)ስም እቲ ሣልሳይ ርባ ኸኣ ጤግሮስ ይብሃል። ንሱ እቲ ብምብራቕ ኣሶር ዚውሕዝ እዩ፡፡
4)እቲ ራብዓይ ርባ ድም ኤፍራጥስ ይብሃል።
ብዛዕባ እዞም ኣርባዕተ ርባታት፡ ካብቶም ውሑዳት ግና ብቅድስንኦም ብዙሓት ዝኾኑ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዘፍረየቶም ኣቦታት "ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋሥጫ" ዝተባለ ኣቦ 1357 ዓም ዝተወለደ ናይ ቤተ ክርስቲያና ልቅ ክትርጉሞ እንከሎ ከምዚ ይብል።
እቲ ቀዳማይ ርባ ኤፌሶን ዝተባህለ፡ እዚ ርባ እዚ እግዚአብሔር ንቅድስና ዘዳለወሎም ናይ ምሥጢር ወይኒ የፍስስ ነበረ ኢሉ ይትርጉሞ፡፡ እቲ ኻልኣይ ግዮን ዝተባህለ ርባ ውን እግዚአብሔር ንኑጹሓን ዝኸውን ናይ ምሥጢር መዓር የውሕዝ ከም ዝነበረ ይትርጉሞ። እቲ ጢሮስ ዝተባህለ ሣልሳይ ርባ ውን እግዚአብሔር ነቶም ስለ ስሙ ኢሎም ዝጋደሉ ሰባት ሥግኦም ዘለምልም ዘይቲ የፈልፍል ከምዝነበረ ይትርጉም እቲ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ዝተሰመየ ኤፍራጥስ ዝተባህለ ርባ እዩ፡፡ ካብ' ርባ እዚ ውን እግዚአብሔር ንቅዱሳኑ ናይ ምስትውዓል ዝኸውን ጸባ የውሕዝ ነበረ ምስ በለ፡ ከምዚ ኢሉ  ንርእሱ ይሓታ። "መኑ ውእቱ ፈለገ ወይንወመኑ ውእቱ ፈለገ መዓር፧ ወመኑ ውእቱ ፈለገ ቅብዕ ወመኑ ውእቱ ፈለገ ሐሊብ፧'' ማለት - ናይ ወይኒ ርባ መን እዩ? ናይ መዓር ርባ መን እዩ? ናይ ዘይቲ ርባ ውን መን እዩ? ናይ ጸባ ርባ ዝተባህለኸ መን እዩ? ምስ በለ  ንሕቱኡ ባዕሉ ከም' ኢሉ ክምልስ ይጅምር።  ''ዘእንበለ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘተሰመየ እንከ ፈለገ ወይን" ፈለግ ናይ ወይኒ ዝተሰመየ ንሱ እቲ ካብ ጎድኒ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈልፈለ እዩ ብምባል ንሕትኡ ብመልሱ ዛዘሞ።
እምብኣር ነዚ ኢና ኣብ መእተዊና "መስቀል ጒድበ ሙስና ዲበ ሰይጣን፥ ወሰይፈ ሙቃየ አርእስቲሆሙ ለአጋንንት" ኢልና ዝገለጽናዮ። ነቲ ንኣዳም ኣቐዲሙ ካብ ናይ መስቀል ቦታ ከም ዝስጎግ ዝገበረ ሰይጣን፡ እንሆ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይ ውሰን ፍቅሩ፡ ሕጂ ውን ከም' ኣቐዲመ ብዕለተ ዓርብ ኣብ ኣርባዕተ ርባታት ዘለዋ ገነት ኤዶም ዘቐመጥዂካ፡ ሕጂ እውን ብዕለተ ዓርብ ኣብ ቀራንዮ ኣብ መስቀል ተሰቂለ ናብ ናይ ዘልዓለም ሕይወት ክመልሰካ ፈቂደ ኣለኹ ብምባል መስቀል ናይ ሕይወትና መድኃኒ ኮነ። ነቲ ናይ ጥንቲ ጸላኢና ሰይጣን ድማ ኣብ መስቀል ኮይኑ ኣሕፈሮ። ነዚ እዩ ናይ መስቀል ኃይሉን ኣገዳስነቱን ኣብ ክርስቲያን ወገን ማዕረ ክንደይ ጠቓሚ ምዃኑ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ዘይሓልፍ ቃሉ "መስቀሉ ጸይሩ ዘይስዕበኒ ንዓይ ኣይበቕዕን እዩ" ማቴ 1038 ብምባል ሚሂሩና እዩ። ሓንቲ ነፍሲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክብርቲ ስለ ዝኾነት ንኹሉ ጠማሪት ዝኾነትን ምስኡ ከመይ ኢልና ክነብር ከምዝግብኣናን ጥቕሚ መስቀል ቅድሚ ኣብ መስቀል ምስቃሉ ኣስፊሑ ገሊጹልና እዩ።

መስቀል ኣቐዲሙ ንሰይጣን ዝኣሰረ ሕጂ ወን ወትሩ ኣብ ኣመንቲ ኮይኑ ንኣጋንንቲ ዘርዕድ ዘሎ ሓይሊ ውህበት ኣምላኽ እዩ።
እምበኣር ክብረ በዓል መስቀል ከነኽብር ከለና ሓይልን ክብርን ቅድስናን ከምዝህብ ኣሚና ከነኽብሮ ይግብኣና። መኽንያቱ ትርጉም መስቀል እንተተሰኪምና ከም ዘማራይ ዳዊት "ብግብ ዝበለ ጸልማት እኳ እንተኸድና ኣይክንፈርሕን ኢህና" ኢልና ክንዝምር ንኽእል፡፡

እምብኣር ነዚ ተረዲኡ እዩ፡ ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ "ኣነ ግና በቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቅለሉ መስቀል እንተ ዘይኮይኑ ኣይምካሕን እየ። ከመይ በዚ መስቀል እዚ ዓለም ኣብ ቅድመይ ምውቲ እያ። ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓለም ምውት እየ"/ገላ 614/ ሰለ' ትምክሕቲ ናይ ሓደ ክርስቲያን ብድሕነቱ ክኸውን ኣለዎ። ዝደሓነሉ ድማ ብመስቀል ስለ ዝኾነ። ሓይሊ መስቀል ከም' ዓለም ብዘይ ጸሓይ ብርሃን ዘይብላ፡ ናይ ሓደ ክርስቲያን ንፍሲ ውን ብዘይ መስቀል ጉዕዝኣ ጸልማት እዩ። ከምው እውን ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ  ከምዚ ክብል ጺሒፉልና ኣሎ "ቃል መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት እዩ። ንዓና ነቶም እንድኃን ግና፡ ሓይሊ ኣምልኽ እዩ"፡፡ 1 ቆሮ 218 እምብኣር ቤተ ክርስቲያን ካብ' ተበጊሳ እያ፡ ንመስቀል ኣብ ዝለዓለ ቦታ ብዘይ ሕፍረት ስልማታ ስለ ዝኾነ ብግርማ ትሰቅሎ፡ ኣመንቲ ኣብ ክሳድና ነንጠልጥሎ፡ ኣብ ግንባርና ውን ንውቀጦ። ልዕሊ ኩሉ ውን ክብረ በዓል ናይ መስቀል ኣብ ነብዕለሉ 5500 ዓመታት ብባርነት ንዝነበሩ ዝነበሩ ብዕለት ዓርብ ናጽነት ዝረኸብሉ ዕለት ስለ ዝኾነ ብስራት ንሰብከሉ ዕለት እዩ።

ኣብ መኃልየ መኃልየ ውን ከምዚ ዝብል ቃል ነንብብ "ኣታ ፍትወይ እስከ ንገረኒ ንመጓሰኻ ኣበይ ተውዕለን? ቀትሪኸ ኣበይ ተዒመን? እስከ ንገረኒ? ስለምንታይከ ንዓኻ ክደሊ ኣብ መጓሰ ኣዕሩኽትኻ ኮለል ዝብል"? መኃ 17 እዚ ቃል እዚ ቤተ ክርስቲያን ከም ትምህረና ምሥጢሩ ኣስፊሓ ከምተብርሃልናን ከም' እንዳበለት ትገልጸልና "ንመጓሴኻ ኣበይ ተውዕለን" ዝብል ቃል፡ ጓሳ ኩሉ ግዜ ንመጓሴኡ ብበትሪ ከም ዝጓሴን ፍሉጥ ነገር እዩ። እምብኣር ጓሳ ዝተባህለ ጎይታ እዩ በትሪ ዝተባህለ ድማ መስቀል እዩ። ከም' ሙሴ ንሕዝቢ እስራኤ ብበትሪ መሪሑ ንባሕሪ ኤርትራ ዘሳገሮም ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ብዕለተ ዓርብ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ንኹሎም ነፍሳት ካብ ባሕሪ ሲኦል ናብ ገነት ኣሳጊርዎም እዩ። "ቀትሪ ኣበይ ተዒመን" እዚ ቃል እዚ ጎይታናን መድኃኒናን ብዕለተ ዓርብ ቀትሪ ኣብ መስቀል ምስቃሉ ዝነግር ቃል እዩ። "ስለምንታኸ ንዓኻ ክደሊ ኣብ መጓሰ ኣዕርኹትኻ ኮለል ዝብል" ዝበለቶ ድማ መስቀል ዘይኣምኑ ጓሶት ተመሲሎም ንነፍሰይ ከየጥፍእዋ ብኣኻ ምእማነይ ውን ኮንቱ ከይከውን ብመስቀልካ ምርሓኒ ክትብል እያ ነዚ ዝበለቶ፡ ካልእ ጓሶት መን እዮም ንዝብል፡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ንኣምን ኢና ንዝብሉ ነገር ግን፡ ንመስቀሉ ካብ ልቦም ፍጹም ዘርሓቁ፡ ግና ብስም ኣምላኽ ንደቂ ኣምላኽ ዘታልሉ እዩም። እግዚአብሔር ኣምላኽና ዝተባረኸ በዓለ መስቀል ይግበረልና።
 ስብሐት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለ መስቀሉ ክቡር።
ብሓውና ዲያቆን ጸጋይ ሶበሊ

No comments:

Post a Comment