Monday, 4 August 2014

*ክትጥቀሙስ ጽን ኢልኩም ሰምዑ*

ኩሉ ሓላፊ እዩ ነነፍስኹም ርድኡ
ቀሪቡ ከይከውን መርዓዊ ምምጽኡ
ትርእዩዎ'ለኹም ኣካያይዳኡ
ትንቢት መጻሕፍቲ ተወዲኡ።
ፍትሕ ሕደግዎ ሓደራኩም ኪዳንኩም  ኣጽንዑ
ብየማን ክትቈሙ እንከብለኩም "ንዑ!''
ኣብዚኣ ኸለኹም ብሓጢኣትኩም ንብዑ።
ምሩቕ ብሞያኡ ርጉም ብኽፋኡ
ኩሎም ክእከቡ እዮም ኣብ ቅድሜኡ
ዝተርፍ የብልናን ተሕቢኡ።
ሰራዕቲ ዘለኩም ብቕንዕና ስርዑ
ኣፋጢጥኩም ወርቒ ኣይትብልዑ
ለበዋ ጐይታኩም ሓልዉ ኣጽንዑ።

No comments:

Post a Comment