Sunday, 12 January 2014

ፓስተር ሳዕሪ ምብላዕ ናብ ኣምላክ የቅርብ'ዩ ኢሉ።


ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ  ፕሪቶሪያ እትበሃል ከተማ  ዝርከቡ  ናይ ራቢኒ ሴንተር ሚኒስትሪ ቤተክርስቲያን ፓስተር  ዝኮነ  ሌሴጎ ዳንኤል፣ “ ናብ እግዚኣብሔር ክትቀርቡ እንድሕሪ ደኣ ደሊኩም ወጹ እሞ ሳዕሪ ብልዑ'' ኢሉ ብምእዛዙ ተከተልቱ ኣብ ሳዕሪ ዝርከቦ ቦታ እንዳ ተረክቡ ሳዕሪ ክበልዑ ውዒሎም መቸስ እዝኒ ዘይትሰምዖ የብላን።


ውጺኢት ናይ ሳዕሪ ምብላዖም ውን ኣደዳ ሕማምን ተምላስን ከም ዝኮኑ ተገሊጹ፡ በዚ ድማ ነቲ ፓስተር ብዙሕ ተቃውሞ ከምዝመጾ ክፍለጥ ተካኢሉ ኣሎ።በኣንጻሩ ድማ ሳዕሪ በሊዕና ጥዕና ሪኺብና ዝብሉ ውን ኣይተሳዕኑን።

 ቅድም ክብል ናይ መናፍቃን ስብከት ቅድስት ቤተ ክርስትያን ''ማየ ጸሎት'' ማይ ድጋም ኮታስ ትውፊታዊ ነገር ኣብ እትፍጸመሉ ግዜ ንምንታይ ስም ጐይታ ጸዊዕኹም ዘይትፍወሱ፡ ንስኩም ክርስቶስ ኣይትሰብኩም ብምባል፡ መልሓሶም ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ምውርዋሮም ዝፍለጥ ኢዩ። እንታይ ደኣ ሎሚ ስም ክርስቶስ ጸዊዖም ናብ ኣምላክ ዘይቀቡ እንታይ ተረክበ? ከም እንስሳ ተደቢርካ ሳዕሪ ምብላዕ? ካብቲ ልሙድ ሰብ ዝምገቦ ሓሊፎም ሳዕሪ ክበልዑ ዝገደዶም እንታይ እዩ? እውነት ድዩ ከ ሳዕሪ ምብላዖም ኣብ ኣምላኽ ከቅርቦም ዝኽእን? ክብሪ ወዲ ሰብ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ከምዚ እሉ ክሓስር  ብጣዕሚ ዘሕዝን ፍጻሜ'ዩ።  
እግዚኣብሔር ምሕረቱ የውርድ! 
ብዕራይ እኳ ብዕራይ << ሰጋ>> ብፍጹም ዘይበልዕ በኣንጻርሩ ግን ሰብ መግበ ብዕራይ ሳዕሪ ክበልዕ ሎሚ በኵር እዝንና ንሰምዕ ኣሎና።


ነብይ ኤርማያስ ከምዚ ክብል ተነብዩ ኣሎ፦

 እግዚኣብሔር ''ህዝበይ ዓያሱ እዮም፡ ኣይፈልጡን ከኣ እዮም፡ ድንዙዛት ደቂ እዮም፡ ኣእምሮውን የብሎምን።

እከይ ንምግባር ጥበበኛታት እዮም፡ሰናይ ምግባር ግና ኣይፈልጡን እዮም።'' ብለ/ኤር4፡22/ 

 ናይ ካሜራ ምስክርነት



mvv

A South African preacher made his congregation eat grass to ‘be closer to God’ before stamping on them
nm

Under the instruction of Pastor Lesego Daniel of Rabboni Centre Ministries dozens of followers dropped to the floor to eat the grass at his ministry in Garankuwa, north of Pretoria
b


The congregation were told eating the grass will ‘bring them closer to God’
‘Yes, we eat grass and we’re proud of it because it demonstrates that, with God’s power, we can do anything,’ Rosemary Phetha told South Africa’s Times Live.

AA
Photos that follow show dozens of people getting sick in the toilets – an image of the bathrooms show women clutching their stomach, while the men are vomiting in the sink.

link 
http://www.dailymail.co.uk/news/article-2537053/Lawn-Christians-South-African-preacher-makes-congregation-eat-GRASS-closer-God.html#ixzz2q2DU8sVr

2 comments:

  1. Its astonishing how people can be so wicked in taking verses from the bible, twisting them and use them for their personal benefit by giving them unmatchable meaning. May God have mercy on them.

    ReplyDelete

  2. http://www.youtube.com/watch?v=ajLzAuyHHp0

    ReplyDelete