በስመ
አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን፣
ብነብይ ኤርምያስ ኣቢሉ ስለ ብዙሕ ነገራት ዝነገረና። ዝመሃረናን ኣምላክ ሕጂ ከኣ ነቲ መብዛሕትና ንፈርሖ ግና ንዝጠቅመና
መቅጻዕቲ ክነግረናዩ፣ ዝሸይም ኣምላኽ ከምዃኑ መጠን ዝቕጽዕ ንጉስ ምዃኑ`ውን ክንፈልጥ ስለ ዝደለየ ናይ ምቅጻዕ ስልጣኑ
ብዝገልጽ ቃል <ክቀጽዓካዬ> ይብለና።
እግዚኣብሔር ስለምንታይ ይቀጽዓና
1.
ሓጢያት እንተሰሪሕና።
- ብባህሪኡ ቅዱስ ዝኾነ ኣምላክና ካብ ሓጢያትን ርኩሰትን ዝተፈለየ ህይወት ክህልወናን ብከምዚ ዓይነት ህይወት ከኣ ክንነብር ይደሊ፣ ብቀደሙ`ውን ዝጸወዓና ንቅድስና ስለዝኾነ። ናይ ክርስትና ህይወት ንዝተጸዋዕናሉ ነዚ ዕላማን ህይወትን ዘንጊዕና ንሓጢያት ከም እኽሊ ክንበልዕ ከለና እግዚኣብሔር ስቅ ኣይብልን፣ ነቲ ዝተኣለክናሉ ሓጢኣያት ገዲፍና ንክንወጽእን ክንንሳሕ ወትሩ ዘተሐሳስበና ኣምላኽና ብዝገበርናዮ ሓጢኣያት ይቀጽዓና፣<ሰብ ስለዝገበሮ ሓጢያት መቅጻዕቲ ስለምንታ`ዩ ዘጉረምርም?> ንዝብል ቃል መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና እግዚኣብሔር ዝቀጽዓና ብሰሪ ሓጢያትና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

2.
ደቁ ስለዝኾንና።-
ብስጋ ኩልና ምድራዊ ኣቦታት ኣለውና፣ እቲ ዘገርም ሓቂ ግና ንሕና ካብዞም ዝተፈላለዩ ምድራዊ ኣቦታት ዝተወለድና ደቂ እቲ ሓደ ኣምላክ ምዃንና እዩ፣ ከመይ'ሲ ኣቦ ኮይኑ ብክብሪ ውልድነት ተቐቢሉና`ዩ፣ <ኣቦ ክኾነኩም እየ ንስኻትኩም`ውን ንዓይ ኣዋልድን ኣወዳትን ደቀይ ክትኾኑ ኢኹም፣> ከም ዝበለ 2ይ ቆሮ 6፦18 ዋላውን ደቁ እንተ ኮይና ንሱ ኣይትግበሩ ዝበለና እንተጌርና ግና ብዘይ መቅጻዕቲ ኣይገድፈናዩ፣ ካብ ኣምላኽ ንቅበሎ መቅጻዕቲ ግና ናይ ጭካኔ በትሪ ኣይኮነ። እኳ ደኣ ድቃሉ ዘይምዃና ደቁ ምዃንና መረጋገጺ ኢዩ፣ ኣቦ ንወዱ`ዶ ኣይኮነን ዝቀጽዕ? እምበኣር ስጋውያን ኣቦታት ኣብ እንብድለሉ ከም ደቆም መጠን ከም ዝቀጽዑና፡ ከም'ኡ ድማ እቲ ጽቡቕና እምበር ክፉእና ዘይፈቱ ኣምላክ ድማ ኣብ እንብድለሉ ይጸጽዓና'ዩ።እዚ ድማ ናይ በሓቂ ፍታዋት ደቁ ስለ ዝኮና መራጋገጺ ጥራይ እዩ። ስለዚ ነቶም ስጋውያን ኣቦታትና መቅጻዕቶም ተቀቢልና ከም ንእዘዞም ነቲ መንፈሳዊ ኣቦና ደኣ ክንደይ ኣዚና ክንእዘዞ ዘይግበኣና?

3. ስለዝፈትወና።
- ኩልና ዘይንክሕዶን ኣብዝዘከርናሉ እዋን`ውን ንሕጎሰሉ ሓደ ሓቂ ኣሎ እዚ ከኣ እግዚኣብሔር ንዓና ዘለዎ ጽሩይ ፍቕሪ እዩ፣ ኣብ ነብዪ ሚልክያስ ሓዲሩ`ውን <ኣነ ኩሉሳዕ ኣፍቅረኩም እየ> ዝበለና ነዚ እዩ፣ ሚል 1፦2 ዋላ ሓንቲ ፍቕሪ ዘይብላና ከለና ኢዩ ኣፍቂሩናን ፈትዩናን፣ ኣብ ልዕሊ መሬት ካብዝነብሩ ፍጥረታት ተወዳዳሪ ዘይተረኽበልና ፍጥረት ንሕና ደቂ ሰባት ኢና። ዋላ'ኳ መነውቲ እንተኾንናውን ንሱ ግና ስጋዕ መወዳእታ ኣፍቀረና! ካባና ዋላ ሓደ ከይተቀበለ ብጥራዩ ስጋዕ መወዳእታ ዝፈተወና ኣምላክ ኣብ ዝተጋገናሉ እዋን እንተቀጽዓና ኣይንደነቕ፣

ብስጋ ዝወለድዎም ደቆም ኣብዝተጋገዩሉ እዋን ብስቅታ እንዳሓለፍዎም ናብ ዝዓበየ ጥፍኣት ዘእተው ኣቦታት ኣለው፣
ኣቦና እግዚኣብሔር ግና ከምዚ ኣይኮነን፣ ስለ ዝፈተወና ይሕልወና ስለዝፈትወና`ውን ይቀጽዓና፣ ካብ ፍቕሩ ዝተላዕለ ዝምሕረና
ኣምላክ ካብ ፍቕሩ ዝተላዕለ ድማ ይቀጽዓና፣ ንሱ ንዓና ዝቀጽዓና ደቁ ጥራይ ስለዝኾንና ዘይኮነስ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት
ስለዝፈትወና እዩ፣ ጠቢቡ ሰሎሞን <ወደየ ናይ እግዚኣብሔር መግናሕቲ ኣይትንዓቅ ኣብዝገንሓካ እዋን`ውን ኣይትማርር፣
እግዚኣብሔር ንዝፈትዎ ውላዱ ከምዝገንሖ> ዝበሎ ነዚ እዩ፣ ምሳ 3፦11-12፣
4. ንጥቅምና።-
ንሕና ኩልና ንዓና ንዝጠቅመና ነገር ንፈልጥ ካብ ዝጎድኣና ነገር`ውን ናይ ምርሓቕ ኣፍልጦ ከምዘለና ሓሲብና ንጀሃር ንከውን፣ እቲ ክንገሮ ዝግብኣና ነገር ክንገብር ምጽዓርና ዋላ ዘመስግነና እንተኾነ እቲ ናትና ንባዕልና ንሓስቦ ምስ እግዚኣብሔር ንዓና ዝሓስበልናን ከተነጻጽሮ ከለኻ ግና ትምክሕትና ባዶ ይኸውን፣ ናትና ጽልግልግ ዝበለን ውሑድን ክኸውን ከሎ ናይ እግዚኣብሔር ግና ጽሩይን ምሉእን እዩ፣ ንሕና ዝጠቅመና መሲሉና ነቲ ዝጎድኣና ንክንሕዝ ክንጎዪ ከለና ንሱ ግና ንስጋና ጉድኣት ብዝመስል ነገር ዝጠቅመና ነገር ይህበና፣ <ኣነ ዝሕስበልኩም ሓሳብ እፈልጦ እየ ፍጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር ሓሳብ ክፉእ የብለይን፣> ት.ኤር 29፦11፣

ንነገራት ኩሎም ንጥቅምና ክብል ዝገብር እግዚኣብሔር ክቀጽዓና ከሎ`ውን ንጥቕምን ደልዩ እዩ። ክወስደልና ከሎ ንክህበና። ክሰብረና ከሎ`ውን ክጽግነና ደልዩ እዩ፣ ክድርብየና
ከሎ`ውን ንከልዕለና እዩ፣ ከቁስለና ከሎ ንክፍውሰና። ከዋርደና ከሎ`ውን ንከኽብረና እዩ`ሞ ነቲ ኣሰራርሕኡ ብምስትውዓል
ንርኣይ፣ ነዚ ዝጠዓመ ቅዱስ ጳውሎስ ክምዚ ኢሉ።- <ንሱ ግና ካብ ቅድስንኡ ንክንካፈል ንጥቅምና ይቀጽዓና፣>
ዕብ.12፦10፣ ወትሩ ብሓደን ብካልእን መንገዲ ዝዛረብ እግዚኣብሔር ክቀጽዓና ከሎ`ውን ብዝተፈላለየ መንገዲ እዩ፣ ዝኾነ
መንገዲ ተጠቒሙ ንክቐጽዓና ክቐርብ ከሎ ግና ኣይንደናገር። ኣይንቆጣዕ። ኣይነማርር፣ ብዝተፈላለየ መልክዕ እንተመጸ`ውን
መቕጻዕቲ እግዚኣብሔር ናይ እግዚኣብሔር እዩበቲ መቅጻዕቲ ንምምሃር መስተውዓሊ ንምዃን ክንለማመድ ይግበኣና፣
እግዚኣብሔር ክቀጽዓና ከሎ እንታይ ንግበር?
1.
ኣይነዕዘምዝም።
ብርግጽ እንዳተሃረምና ምሕጓስ ስለዘይለመድና መቅጻዕቲ እግዚኣብሔር ብዘይ ምዕዝምዛም
ዝተቀበልናሉ ግዜ ኣይህልውን ይኸውን፣ ክርስትና ግና እቲ ዘይመስል ዝመስለሉ። ክኸውን ዘይክእል ክኸውን ዝረኣየሉ ህይወት እዩ፣
ስለዚ ዝተቀበልናዮ መቅጻዕቲ ዋላውን ካብ ዕረ እንተመረረ ኣብ ውሽጢ ንዘሎ ጥዑም ዕላማ እግዚኣብሔር ብምሕሳብን ነቲ መቅጻዕቲ
ብስቅታ ከምዝቅበል መስተውዓሊ ብላቴና ብምዃን ኣብ እዋን መቅጻዕትና ካብ ምዕዝምዛም ንተዓቀብ፣ ምዕዝምዛም ካብ ዘይ ኣመንቲ
ሰባት ሕንጎል ዘይጠፍእ ክፉእ ልማድ እዩ፣ <ኣህዛብ ስለምንታይ የዕዘምዝሙ> ዝተባህለሎም`ውን በዚ ምግባር ፍሉጣት
ኔሮም፣ ንሕና ግና ኢ-ኣማንያን ከይኮንና ኣማንያን ኢና፡ ስለዝኾነ ከኣ እግዚኣብሔር ክቐጽዓና ከሎ ኣይነዕዘምዝም ናይ ምዕዝምዛምና
ንሱ ይፈልጦዩ`ሞ፣ በዚውን ስለዝድነቕ <ሰብ ስለ ሓጢያቱ መቕጻዕቲ ዘዕዘምዝም
ስለምንታይ ኢዩ?> ይብል፣ ሰ/ኤር 3፦39፣ኣምላኽ ነዚ ዝበለ ብሰሪ ሓጢያትና ንዝመጸና መቕጻዕቲ ብምዕዝምዛም ምቕባልና
ርእዩ ጥራይ ዘይኮነ እቲ እንዳተቐበልናዮ ዘለና መቕጻዕቲ ካብዝሰራሕናዮ ሓጥያት ክነጻጸር ከሎ ኣጸቢቑ ዝነኣሰ ብምዃኑ
እዩ፣ ካብ በደልና ኣትሒቱ ዝኸፍለና እግዚኣብሔር ጥራይ ኢዩ፣<እግዚኣብሔር ንበደልካ ካብዝግብኦ ኣውሒዱ ከምዝከፍለካ ፍለጥ፣>
ተባሂሉ ምጽሓፉ ንዘክር ኢዮ.11፦6 ብምኽንያት ዝወረደና መቕጻዕቲ እንዳዕዘምዘምና ክቕጻዕ የብለይን ወይ ከኣ መቕጻዕቲ በዚሑኒ ንብል ኢና። እዚ ከኣ ካልእ
ስቓይ ከምዝወልድ ኣይንጠራጠር፣ እዚ ከይወርደናን ብዘይምዕዝምዛም ዝተሸለሙ ናይ እግዚኣብሔር ሰባት ዕድል ንሕናወን ንክንረኽቦ
ክንቅጻዕ ከለና ኣይነጉረምርም፣
2.
ንተዓገስ።
ኣብ ውሽጢ ዝኾነ ናይ ደቂ ሰባት ናይ ህይወት ጉዕዞ ትዕግስቲ ዝህቦ ዋጋ ዓቢ ኢዩ፣ ብትዕግስቲ ዝጸለየ ነቲ ዝለመኖ
ክቕበልን ብጽንዓት ዝተጋደለውን ናይ ዓወት ኣኽሊል ይቕበል፣ ነቲ ናብ ህይወትና ዝመጸ መቕጻዕቲ እግዚኣብሔር ብትዕግስቲ ምቕባል
ነቲ ድሕሪ እቲ መቕጻዕቲ ዝርከብ ብልጫ (ሽልማት) ንኽንቅበል የኽእለና፣ ንጉስ ዳዊት ነቲ ዝመጾ ዘጨንቕ መቕጻዕቲ ብትዕግስቲ
ብምስካሙ በረኸትን ዕረፍትን ዝመልኦ ሂወት ንኽመርሕ ክኢሉ`ዩ፣ ሎሚ`ውን ኣብ ውሽጢ ናይ መቕጻዕቲ ማእሰርቲ ወዲቕና ብመቕጻዕቲ
ሰንሰለት ዝተኣሰርና ብትዕግስቲ ጸልማትና ኣብቂዑ ናይ ዕረፍትን እፎይታን ጸሓይ ክወጻልና`ዩ፣ ስለዚ።<ንምቅጻዕ
ተዓገሱ>ዕብ.12፦7 ብዝብል ኣምላካዊ ቃል እንዳተደገፍና መቕጻዕትና ብትዕግስቲ ንምቕባልን ንምፍጻምን ንበርትዕ፣
3. ባህ ይበለና።
- እግዚኣብሔር ምንጪ ሓጎስና`ዩ ዝበሃል ካብ ደበና ሓጎስ
ናብ ሓጎስ ማይ ስለ ዘውርደልና`ዶ ኣይኮነን፣ ንሱ ንኩሉ
ከኣሊ ካብምዃኑ ዝተላዕለ መቕጻዕቲ እምኒ ካብዝተመልአ ናይ ህይወት ውረድ ደይብ ሓጎስ ምፍልፋል ይኽእል`ዩ፣ ምኽንያቱ ብፍቓዱ
ናብ ሂወት ደቂ ሰባት ዝኣትዉ መቕጻዕትታት ንግዚኡ እንተሕዘኑና`ውን ኣብ መወዳእታ ግና ሓዘን ዘይብሉ ሓጎስ ፈጢሮ ምልና
ይሓልፉዮም`ሞ። ሕማምን ምስኣንን ኣብዝበዝሖ መንገዲ መቅጻዕቲ ጠጠው ኢልካ ብከመይ ሐጎስ ይሕሰብ ይበሃል ይከውን፣ እቲ መልሲ
እግዚኣብሔር ንሓጎስና ዝናፍቕ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ነቲ ጠጠው ዝበልናሉ ጎደና መቅጻዕቲ ብሓጎስ ናብ ዝተከበበ ናይ ህይወት
ስፍራ ከምዘብጽሓና ምግባር ይኽእል እዩ፣ ኣብ ላዕሊ ካብ እግዚኣብሔር ብዝተወሃበ ናይ ሓጎስ መሬት ጠጠው ዝበለ ክርስቲያን
ሰላምን ጽድቅን ከምዘፍሪ ንፍለጥ፣ <መቅጻዕቲ ኩልጊዜ ዘሕዝን እምበር ባህ ዘብል ኣይመስልን፣ እንተኾነ ግና ንዝለመድዎ
ናይ ሰላም ፍረ ንሱ`ውን ጽድቂ የፍርየሎም> ከምዝተባህለ፣ ዕብ 12፦11፣ ኣብ ውሽጢ ብሓጎስ እንቅበሎ መቅጻዕቲ ዝርከብ
ሰላምን ጽድቂን ንምቕባል እግዚኣብሔር ይርድኣና፣
እግዚኣብሔር ኣምላክ ደቁ ስለዝኾንናን ስለዝፈትወናን ከምኡ`ውን ሓጢያት ክንገብርን ብኡኡ`ውን ጸኒዕና ክንነብርን
ስለዝደሊ ስለረብሓና ኢሉ ይቀጽዓና፣ እግዚኣብሔር ሓቀኛ ዳኛ(ፈራዲ) እዩ`ሞ ብነገር ኩሉ ሓቀኛ ፍርዲ ስለዝህብ እቲ መቅጻዕቲ
ሓቀኛ ምዃኑ ብምግንዛብ ብዘይምዕዝምዛም ብትዕግስቲ ሓሤት እናገበርና ፍርዱ ንምቕባል ንሂወትና ምልምማድ
ይግበኣና፣ ከምዚ ዓይነት ህይወት ክህልወና ንኹሉ ዘኽእል ልኡል እግዚኣብሔር ኣምላክና ይርድኣና፣ ኣሜን ፣
ወስብሐት ለእግዚአብሔር
ምንጪ፦ ማህበረ ቅዱሳን
No comments:
Post a Comment