Wednesday, 28 November 2012

+++ ዛቲ ይእቲ ኢዮርሳሌም ሃገሮሙ ለነብያት +++

††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን††

ናይ ድንግል ማርያም ምስጋና ዝበዝሓሉ ዝተኸናወነሉ (ጥጡዐ ስባሔ) ተባሂሉ ዝንገርሉ፣ ኣቦና ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ናይ ረቡዕ ውዳሴኡ ንድንግል ማርያም ከምዚ ብምባል ይገልጻ ‘’ ዛቲ ይእቲ ኢዮርሳሌም ሃገሮሙ ለነብያት፣ ወማህደረ ፍስሓሆሙ ለቅዱሳን፣ሕዝብ ዘይነብር ውስተ ጽልመት፣ ወጽላሎተ ሞት ፣ ብርሃን ዓብይ ሰረቀ ላዕሌሆሙ፣ እግዚኣብሄር ዘይዓርፍ በቅዱሳኒሁ፣ ተሰብኣ እምድንግል ለመድሃኒተ ዚኣነ’’ እዚ ማለት ‘’ንሳ ኤየሩሳሌም ሃገሮም ንነብያትን፡ንዅሎም ቅዱሳን ከኣ ናይ ደስታ መሕደሪኦም እያ፣ ኣብ ጸልማትን ድነ ሞትን ንዝነብሩ ህዝቢ፡ዓብይ ብርሃን ኣብ ልዕሊኦም በረቐ፣ ኣብ ቅዱሳኑ ዝዓርፍ እግዚኣብሄር ንድሕነትና ካብ ድንግል ስጋ ለበሰ’’ ከምዚ ብማለት ዝተነግረላ ኣማናዊት ኢዮሩሳሌም ወላዲተ ኣምላኽ ቅድስተ ቅዱሳን፣ ንጽሕተ ንጹሓን ድንግል ማርያም እያ። ብቅዱስ ኤፍሬም ጥራይ ዝይኮነስ ብበዓል ልበ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት፣ ነብይ ኢሳይያስ፣ነቢይ ኤርምያስ ወዘተ,,, ዝኣምሰሉ ብኢዮርሳሌም ከተማን፣ ብእምባ ጽዮንን ምሳሌነት ስለ እመ ብርሃን ድንግል ማርያም ብዙሕ ዕጹብ ድንቅ ዝኮነ ነገራት ተነብዮምላን፡ ኣስተምሂሮምላን ኢዮም።


እቲ ቀድም ኣቢልና ዝጠቀስናዮ ቅዱስ ዳዊት ‘’እስመ ሃረያ እግዚኣብሄር ለጽዮን፡ወኣብደራ ከመ ትኩኖ ማሕደሮ፣ ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም’’ እግዚኣብሄር ንጽዮን ሓርዩዋ እዩ፡ መሕደሪቱ ክትከውን ድማ በሃጋ፡እዚኣ ንዘለዓለም መሕደሪተይ እያ። ብምባል ብመንፈሳዊ ጥበብ ንቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ተነብዩላ ነበረ። ግዜኡ ምስ በጽሐ ድማ እግዚኣብሄር ኣብታ /ምልእተ ጸጋ / ካብ ኣንስት ዝተባረከት ድንግል ማርያም ሓደረ ‘’ግዜኡ ምስ በጽሐ፣ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሕጊ ዝነበሩ ምእንቲ ከድሕን፣ ንሕናውን ናይ ውልድነት ስልጣን ምእንቲ ኽንረክብ፣ነቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ፣ ኣብ ትሕቲ ሕጊውን ዝሓደረ ወዱ ለኣኾ’’ ከም ዝበለ ብርሃን ዓለም ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ/ገላ4.4/በዚ ድማ ኩሉ ግብሪ ድሕነት ተፈጸመልና፡ መርሖ መንግስተ ሰማያት እውን ተዋህበና። ቅዱስ ድዊት እዚ ጥራይ ኣይኮነን ተነብዩ /መዝ48,,፣2/ ‘’እታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ እምባ ጽዮን ጽብቅትን ልዕል ዝበለትን እያ፣ ከተማ እቲ ዓብይ ንጉስ /ሓጐስ ኵላ ምድሪ/ እያ’’።ንባቡ ንጽዮን ናይ ንጉስ ዳዊት ከተማ ንምግላጽ እኳ እንተኮነ፡ ፍጻሚኡ ግን እግዚኣብሄር ኣብ ጽዮን ምግላጹ፡ እቲ ዓቢይ ንጉስ ድማ፡ ናይ ነገስታት ንጉስ ናይ ኣማልክት ኣምላክ ኢየሱስ ክርስቶስ ንድሕነተ ስጋ ወነፍስ ዝግለጸላ ከተማ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ ክብል እዩ።
ንሳ ኢየሩሳሌም ሃገሮም ንነብያትን፡ንዅሎም ቅዱሳን ከኣ ናይ ደስታ መሕደሪኦም እያ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት <<ካብ ኢየሩሳሌም ኣይትውጽኡ>>ማለቱ ካብ ድንግል ማርያም ኣይትፈለዩ፡ ምስኣ ንበሩ ማለቱ ኢዩ።እዚ ቃል ጐይታ እዚ መስረት ብምግባር ድማ ብሓደ ልቢ ናብ ጸሎት ክተግሁ እንከለዉ ድንግል ማርያም ካብኣቶም ኣይፈልዩዋን ዝነበሩ።/ግብ1,14/’’እዚኣቶም ኵላቶም ምስ ገሊኣተን ኣንስትን ምስ /ማርያም ኣደ ኢየሱስ /ምስ ኣሕዋቱን ሓቢሮም ጸሎት የዘውትሩ ነበሩ’’።ሓጐስ ኵላ ምድሪ ዝኮነት ድንግል ማርያም፣ ሃዋርያት ውን ነናብ ሃገረ ስብከቶም ወንጌለ መንግስት ክሰብኩ ፋሕ ምስ በሉ፡ ኣብ ጽላት ልቦም ሓቲሞማ እዮም ዝዞሩ ዝነበሩ።ወዲ ሰብ ካብ ገነት ዝተሰጎገ ብበደል ኣቦን ኣደን፡ካብ ገነት ዝተባረሩ ኣዳምን ሄዋንን እዮም።ዳግማዊ ኣዳም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቦ ኮነና፣ስለሄዋን ድማ ኣደ ክትኮነና ድንግል ማርያም ተዋህበትና።/ዮው19፡19/ መዝ87፡5/ ሰማይን ምድርን ዘይውስንዎ ኣምላኽ ብሓጺር ቁመት፡ ብጸቢብ ደረት ክትውስን ዝከኣለት ንሳ ጥራይ ኢያ።ነብይ ኢሳይያስ <<እግዚኣብሄር ዘርኢ እንተዘይሓድገልና ከም ሰዶምን ምኾና፡ ንግሞራ ድማ ምመሰልና ኔርና >> ብማለት ገሊጽዎ።/ት፣ኢሳ 1.9/

ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ውዳሴ ማርያም ኣብ ናይ ረቡዕ’ውን ስለ ንጽሕነኣን ቅድስነኣን ፍልይቲ ፍትረት ብምኳና ደጊሙ ከምዚ ኢሉ ኣሎ ‘’ ነጸረ ኣብ እምሰማያት ወኢረከበ ዘከማኪ ፈነወ ወተሰብኣ እምኔኪ'' እግዚኣብሄር ኣብ ከኣ፣ኣብ ሰማይ ኮይኑ ጠመተ፣ ከማኺ ዝበለ ግን ኣይረኸበን፣ ስለዚ ነቲ ሓደ ወዱ ልኢኹ ካባኺ ሰብ ኮይኑ እዩ።/ ኣባ ሕርያቆስ ውን ብተማሳሳሊ ‘’በኣማን ነጸረ እግዚኣብሄር ኣብ እምሰማይ ምስራቀ ወምዕራበ ፣ ሰሜነ ወደቡበ ወውስተ ኩሉ ኣጽናፈ፣ ኣስተንፈሰ ወኣጼነወ፡ ወኢረከበ ዘከማኪ፡ወሠምረ መኣዛ ዚኣኪ፡ወኣፍቀረ ስነኪ ወፈነወ ኃቤኪ ወልደ ዘያፈቅር’’እግዚኣብሄር ኣብ፡ኣብ ሰማይ ኮይኑ ንኣርባዕተ መኣዝን ብሓቂ ጠመተ /ተመልከተ ንምብራቅ ንምዕራብ ንሰሜን ንደቡብ ጠመተ፡ ኣስተንፈሰ ደለየ መርመረ፣ ብንጽሕናን ብቕድስናን ከማኪ ዝበለ ግን ኣይረኸበን፡ ጽባቐ መልክዕኪ ፈተወ ከም'ኡ ውን ስጋኪ ተዋህደ። ብምባል ብሓደ መንፈስ በኣንክሮን ብተደምሞን ስለ ድንግል ማርያም ጺሒፍም እዮም። ድንግል ማርያም ብጸሎት ዝተርክበት ዘይኮነትስ ስለ እተድልየና ዝተዋህበትና ኣደ ኢያ። ዘድልዮ ነገር ኣየድልየንን ዝበለ ሰብ ድማ ብዙሕ ነገር ከም ዝጎድሎ ብዘይ ድንግል ማርያም ዝነብሩ ኵሉ ነገር ዝጎደሎም እዮም።

ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ዝተቀበሉ ድንግል ማርያም ብምሓዞም እዩ ኔይሩ። ሕጂ እውን ናይ ድንግል ማርያም ፍቅራ ብልቦናኦም፣ ጣዕማ ብኣፎም ሒዞም ንዝምሕጸንዋ<< ኦ ቅድስት ለምንልና> ኣተዓርቅና፡ ንዝብላ<<ካብቲ እትፈትዎ ወዳ ምሕረት ሰላም ቅሳነት ክትልምነልና እትክእል ኣደ እያ።ምናልባ ብዙሓት ስማ ብድፍረት ቅድስናኣ ድማ ብጥበብ ዘይተሳሕለ መልሓስ ክዝንጠልዋ ዝስማዓሉ ዘሎ፣ ዘመነ ምጽኣት እዩ። ነገር ግን ርእሶም ክጐድኡ እንተዘይኮይኖም ኣብ ቅድስናኣን ንጽሕነኣን ሓንቲ ዝንክዩላን ዝቅኑሱላን የብሎምን/ሮሜ 8፡3/ ፣ይዋኦም ድኣ እምበር፡/መዝ34፡21/ ንጻድቃን ዝጸልኡ ኸኣ ኺዅነኑ እዮም።/መዝ 31፡18/ እወ እቶም ንጻድቕ፡ብትዕቢትን ንዕቀትን ደፊሮም ዚዛረብዎ ሰባትሲ፣ ኣፎም ዕበሶም!!
እግዚኣብሄር ኣምላክ ካብ ድፍረትን ትዕቢትን ይሰውረና፤ ኣሜን ፡ ንሕና ግን ንድንግል ማርያም ውዳሴኣን፡ ቅድሴኣን ንግሆን ምሸትን ስለቲ ዝገበረትልና/ውዕለት/ ምንተኑ ኣስየኪ እስየተ ብእንተኩሉ ዘገበርኪ ሊተ ማርያም ሰናይት ዘታፈቅሪ ምሕረት ሶበ ሰ ትትዓቀቢ ዘዚኣየ ሓጢኣተ እምኢሃየውኩ ኣሓተ ሰዓተ/። እንዳ በልና ከም ኣቦታትና ኣብ ትሕቲ እግረ እንዳ ኣመስገናያ ክነብር እና። ት,ኢሳ 49፡23 ''ነገስታት መዕበይትኺ ፡ ንግስትታቶም ድማ መጉዚታትኪ ኪኾኑ ፡ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ኪሰግዱልኪ ፡ትጐጓ እግርኪ ውን ክልሕሱ እዮም፡ንስኪ ከኣ ኣነ እግዚኣብሄር ምኳነይ እቶም ዝጽበዩኒ ድማ ኸም ዘይሓፍሩን ኽትፈልጢ ኢኪ''።

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር !!!

No comments:

Post a Comment